Kirkeguiden

Forsiden > Hordaland > Bergen
Debre Iyesus Orthodox Tewahedo Church Bergen
Om

Følgende informasjon er tilgjengelig for Debre Iyesus Orthodox Tewahedo Church Bergen:

The Eritrean Orthodox Tewahedo Church Debre Iyesus is located in Bergen, Norway.

ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ደብረ ኢየሱስ ብእምነት ኦርቶዶክሳዊት ተዋሕዶ ዝተመስረተት ኣብ ሃገረ ኖርወይ ከተማ በርገን እትርከብ ቤተክርስትያን እያ። ኦርቶዶክሳዊት ተዋህዶ ቤተክርስትያን ኤርትራ ደብረ ኢየሱስ በርገን ብመሰረት ቃለ ኣዋዲ ብዝተዳለወ ናይ ምምሕዳር መምርሒ ትምራሕን ብናይ ኤርትራ ሲኖዶስ ትመሓደር ቤተክርስትያን እያ። እዛ ቤተክርስትያን ካብ ዓሌት፣ ወገንን ነጻ ዝኾኑ ኤርትራዉያን ዝተመስረተት ክትከውን እንኮላ፣ ንኹሉ ኤርትራዊ አማኒ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ኮምኡውን ንዝኾነ አማኒ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ክተገልግል ዝተመስረተት እያ። Den Eritreiske Ortodokse Tewahedo Kirke Debre Iyesus ligger i Bergen Norge. Den hellige ortodokse menighet organiseres seg sin virksomhet gjennom flere ortodokse kristne troende mennesker som bosatte seg i Bergen og nabo kommuner. Den Eritreisk kirkeforening skal bidra til å gjøre den ortodokse kirke mer tradisjoner og tilgjengelig for alle ortodoks troende Eritriere og alle andre interesserte. The Eritrean Orthodox Tewahedo Church Debre Iyesus is located in Bergen, Norway. The Holy Orthodox church organized itself through several Orthodox Christian believers who settled in Bergen and neighboring communities. The Eritrean Church Society is to help make the Orthodox Church traditions and more accessible to all Eritrean Orthodox believers and all other interested parties.

Adresse

Debre Iyesus Orthodox Tewahedo Church Bergen finner du på følgende adresse:

Nykirke åpen barnehage Frederikbergsgate 4
5097
Kart

Sjekk kartet for å se hvor du kan finne Debre Iyesus Orthodox Tewahedo Church Bergen.

Kategori

Følgende kategorier er beskrivende for Debre Iyesus Orthodox Tewahedo Church Bergen:


Klikk på linken(e) over for å finne lignende kirker i Bergen.
Hjemmeside

Sjekk følgende hjemmeside for Debre Iyesus Orthodox Tewahedo Church Bergen:

Vurdering

Her ser du hvordan andre besøkende har vurdert Debre Iyesus Orthodox Tewahedo Church Bergen:

2.0/5.0 (1 stemmer)
Nyheter

Hva har skjedd hos Debre Iyesus Orthodox Tewahedo Church Bergen i det siste? Her kan du finne relevante nyheter:

24/08/2019

ኣብ ትሕቲ ኣብ ከተማ በርገን ትርከብ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ኢየሱስ ብምኳን እትእለ, ብኣብ Norheimsund ብዝርከቡ ምእመናን ዝቆመት ማሕበር ቅዱስ ዑራኤል ሎሚ ዓመታዊ ዝኽሪ ብክብሪ ተዘኪሩ ውዒሉ:: በረኸት ናይ መልኣከ ሰላም ቅዱስ ዑራኤል ምስ ኩልና ይኩን::

22/08/2019

«ማርያም ብጽሒ በሰዓተ ሞትየ ለመዋቲ» 💠ነሓሰ 16 ኣደናቂ ዕለት ወይ በዓል ቅድስት ድንግል ማርያም ናይ ዕርገታ መዘከርታ ብናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ቤተ ክርስቲያን በዓቢይ ድምቀት ይበዓል። ቅድስት ድንግል ማርያም ኣዴና ጠቅላላ ዕድሚኣ 64 ኢዩ። ጓል መብጸዓ ወይ ድማ ክቡራን ዘመድ ዝኾኑ ኢያቄምን ሃናን ብመብጸዓ ንቤት እግዚኣብሔር ከተገልግል ዝሃቡላ ጓል 3 ዓመት ኣንከላ እዩ። ኣብ ቤት መቅደስ ድማ ወርቅን ሜላትን ኣሰማሚዓ እናፈተለትን፣ ብኩሉ ኣገልግሎት ብትሕትና እናተላእከትን ድማ 12 ዓመት ኣብ ቤተ መቅደስ ተቀመጠት። ንጎይታ ጸኒሳ ኣብ ቤተ ዮሴፍ ድማ 9 ወርሕን 5 መዓልትን ገይራ። ምስ ወዳ ምስ ኢየሱስ ክርስቶስ ድማ 33 ዓመትን 3 ወርሕን ድሕሪ ምጽናሓ፣ ዓለም ንምድሓን ኣብ ዕለተ ዓርቢብ መስቀል ኣብ ዝተሰቅለሉ ግዜ ንዮሓንስ “ ወይቤሎ ለውእቱ ረድእ ነያ እምከ”/ነቲ ዘፍቅሮ ወደመዝሙር ድማ እነሀት ኣዴኻ በሎ”። ቅዱስ ዮሓንስ ሓዋርያ ድማ ከም ኣዲኡ ተቀቢሉ ኣብ ቤቱ 15 ዓመት ኣንበራ። ኣብ ነገረ ማርያም ከም እነንብቦ ኣብ መበል 64 ዓመት ምስ መልአት፣ ወዳ ክርስቶስ ነዲኡ ተገሊጹ ካብዚ ሓላፊ ዓለም ናብ ዘይሓልፍ ርስቲ ከም ዝወስዳ ነገራ። 💠ሰላም ለፍልሰተ ስጋኪ ውስተ ብሔር ስዑር፣​​ እንተ ኬንያሃ ወገባሪሃ እግዚኣብሔር፣ ማርያም ፍትሕኒ እማዕሠረ ሞት መሪር፣ ሶበሰ ትፈቅዲ ንግስተ ሰማያት ወምድር፣ ኢይሰኣነኪ ኣግዕዞቶ ለኃጥዕ ገብር። (መልከዐፍልሰታ) 💠ሰላም ንፍልሰት ስጋኺ ናብታ እግዚኣብሔር ዝሰርሓን፣ ብጥበቡ ዝገበራን ዝለምለመ ስፍራ፣ ማርያም ካብ ማእሰር ናይ ሞት ፍትሕኒ፣ ንስኺ ንግስቲ ሰማይን ምድርን እንተ ደኣ ፈቂድኪ ዝሰኣነኪ የለን ንሓጥያተኛ ኣገልጋሊኺ ምግዓዝ። 💠ሰላም ለመቃብርኪ እንተ ይትጋብኡ ባቲ፣ ኣህዛበ ምድር እስመ ምክሆሙ ይእቲ፣ ማርያም ብጽሒ በሰዓተ ሞትየ ለመዋቲ፣ እምነፍሰ ክርስቲያን ሶበ ትመውት ኣሐቲ፣ ለናዝዞታ ፍጡነ ትበጽሒ ኣንቲ።​​​ (መልከዐ ኪዳነ ምሕረት) 💠ኣብቲ ኩሎም ኣህዛብ ምድሪ ንመመክሒቶም ዝኾንኪ ዝተኣከቡሉ ንመቃብርኪ ሰላም፣ ማርያም ብጽሕኒ ኣብ ሰዓት ሞተይ ንመዋቲ ካብ ነፍሲ ናይ ክርስቲያን ሓንቲ ነፍሲ ምስ ትመውት ብቅልጡፍ እትበጽሒ ንስኺ ኢኺ።

07/08/2019

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን! ሰላም እግዚአብሔር ምስ ኩላትና ይኹን ዝኸበርኹም ቤተሰብ እግዚአብሔር ጾመ ፍልሰታ:- 👉1 ነሓሰ 2011 ዓ.ም.ግ (07/08/2019 ዓ.ም.ፈ) ጀሚሩ 👉 15 ነሓሰ 2011 ዓ.ም.ግ (21/08/2019 ዓ.ም.ፈ) ክውድእ እዮ:: ጾምና ጾመ በረኸት ሓጥያትና መደምሰሲ መንግስተ ሰማያት መውረሲ ይግበረልና::

26/07/2019

💠 ሰላም ለልሳንከ ወለቃልከ ማኅተሙ:: ወለእስትንፋስከ ጠል ለእሳተ ባቢሎን አቁራሬ ፍሕሙ:: ገብርኤል ውኩል ለረድኤተ ጻድቃን ኩሎሙ:: አንግፈኒ እምነበልባል ኢያንጥየኒ ሕማሙ:: ከመ አንገፍኮሙ ቅድመ ለቂርቆስ ወእሙ:: 💠 ናይ ቃልካ ማህተም ንዘለዎ ንልሳንካ ሰላም:: ጠሊ እስትንፋስካ ውን ንፍሕሚ ባቢሎን ዘቁርር: ንረድኤት ኩሎም ጻድቃን ገብርኤል ተወካሊ: ኣቀዲምካ ንቂርቆስን ኣዲኡን ከም ዘናገፍካዮም: ሕማሙ ከይለኽፈኒ ካብ ነበልባል ኣንግፈኒ:: #በረኸቱን ረዲኤቱን ናይ ቅዱስ ገብርኤል ምስ ኩላትና ይኹን!

10/07/2019

🔸ገድለ እንድርያስ ሐዋርያ🔸 ​​​ «ብዙኅት ኣመንቲ ኣስዒቡ ስለ ዘሎ፣ እንገብሮ ጥራይ ኣይንርአ» 💠ሓዋርያ እንድርያስ ናብ ሃገረ ስብከቱ ልድያ ዝርከባ እስካትያ ኣርጋንያኖስ ሱቁል ሃገር እልዋን ዝተባህለ ምስ በጽሐ፣ ኣብ መጀመርያ ስብከቱ ጎይታ ኣቡኡን ኣዲኡን ኣህዋቱን ገዲፉ ዘይሰዓበኒ ከገልግለኒ ኣይክእልን እዩ ኢሉ ዝተዛረቦ ቃል ወንጌል ገለጸሎም። 💠እቶም ሰብ እታ ሃገር ድግን ከስተምህርን ተኣምራት ክገብርን ብምር ኣዮም ተቆጢዖም ንተኣከብ ቃልና ድማ ሓደ ይኹን። ንሕና ኮነ ኣቦታትና ዘይሰማዕናዮ ሓዲሽ እምነት ኣምጺ ኡ ኣማልኽትና ሕግናንዶ ከጥፈኣልና መጺ ኡ፣ ብስብከቱ እውን ናብ እምነቱ ዘእተዎም ካብ ወገንና ኣለዉ ተበሃሃሉ። 💠ካብቶም ተኣኪቦም ዝነበሩ ግን ሓደ ለባም ተረኺቡ ቅድሚ ክፉእ ነገር ምፍጻምና ግን እንተንመያየጠሉ ምሓሸ ምኽንያቱ ድማ ብዙኅት ኣመንቲ ኣስዒቡ ስለዘሎ ንሕና እንገብሮ ጥራይ ኣይንርአ በሎም።ብድኅሪ እዛ ምኽሪ እዚኣ ድማ ዝ ኣምንዎም ዓበይቲ ዓዲ ሽማግለታታ ለኣኹሉ እሞ ቅዱስ እንድርያስ ብብሩህ ገጽ ተቀበሎም። ንሳቶም እዉን ነቲ ምኽንያት መምጽኢኦም ከይተዛረቡ ኣንታ ዓቢይ ሰብ ይቅረ በለልና ገጽካ ምስረኣና እቲ ኮነ ኢልና ሓሲብናዮ ዝመጻእና ክፍኣት ካብ ልብና ፈጺሙ ርሒቁ። 💠ንስኻ ንድኅነትና ከም ዝመጻእካ ሕጂ ተረዲኡና ስለዚ ሰዓብትኻ ክንከውን ካባኻ ኣይንፍለን ኢና ስለ ዝበልዎ ብምነት ክርስቶስ ፅኒዕኩም ንበሩ ኢሉ ባሪኹ ነናብ ቦታ ኦም ክምለሱ ፈቀደሎም። እቶም ዝለኣኹዎም ምስ ሰምዑ ግን ኣብቲ እንድርያስ ዘለዎ ቦታ ንኺድ እሞ ካል ኣይ ጊዘ ናብዛ ዓድና ክይምለስ ብሓዊ ነንድ ዶ ኢሎም ናብቲ እንድርያስ ዘለዎ ቦታ በጽሑ። ንሱ ድማ ብሰላም ተቀቢሉ ምኽሪ መኸሮም። 💠ቀጺሉ ድማ ነዚ ሕጂ ዘምጻኩም ክፍኣት ገዲፍኩም እንተሰዓብኩምኒ ጽቡቅ፣ እንተደኣ እከይኩም ዘይገደፍኩም ግና፣ንእግዚብሔር ለሚነ ነታ ነኣይ ዝሓሰብኩምዋ ነገር ሓዊ፣ ናብ ርእስኹም ተመሊሳ ከምትእጎድኣኩም ኣይትስሓቱ፣ ኢሉ ብትብዓት መለሰሎም። ንሳቶም ግና ተቀዳድሞም ንእኡን ንጎይታን ክጸርፉ ስለዝጀምሩ ነኣይሲ ዝበሉ ይበሉኒ ጸርፎም ልምዲ ወሲደሉ እየ፣ ንጎይታኸ እንታይ መላዕልቶም ኮይኑ እዩ ኢሉ እንዳስተንተነ ንመንፈስ ቅዱስ ዝጸረፈ ኃጢኣቱ ኣይኅደገሉን እዩ፣ ዝበሎ ኣምላኻዊ ቃል ብምጥቃስ ጸሎት ስለዝገበረ ካብ ሰማይ ሓዊ ወሪዱ ነቶም ተቃወምቲ ሰብ ሃገር ኣንዲዱ ኣጥፍኦም። ዘፍ፣19፣24። 💠ክፉእካ ዘይረኣየ ጽቡቕካ ነይፈልጥ ከምዝበሃል ከኣ፣ ዜና ተኣምራቱ ናብ ኩለን እተን ኣውራጃታት ምስ በጽሐ፣ እቶም ብስብከቱ ከይኣምኑ ዝጸንሑ እታ ሓዊ ዘየርከበትሎም ሰባት ነዚ ሰብ እዚ ስቅ ኢልና እንተርኢናዮ ብሥራይ ከጥፍ ኣና እዩ ኢሎም ጸዊዖም ናብ ኦም ኣቅረብዎ። ተኅባቢሮም ድማ በእማንን ኣባትርን ደብዲቦም ክዳኑ ገፊፎም ኣብ ፈቀዶ መንገዲ ኣዘርዎ። 💠ክሳብ እቲ ናይ ሞት ፍርዲ ዝውሰነሉ ድማ ክዳኑ ገፊፎም ጥራዩ ናብ ዋና ቤት ማእሰርቲ ኣእተዉዎ። ናይታ ሃገር ልምዲ ድማ ክቐትልዎ ንዝደለዩብስቕለት ወይ ብዳርባ እምኒ ይሙት ኢሎም እዮም ዝውስኑሉ፣ ሓዋርያ እንድርያስ ግን ምንምኳ እንተተኣስረ ቃለ እግዚኣብሔር ስለዘይእሰር ፣ ከምታ ቀዳመይቲ ጸሎቱ ገይሩ ነቶም ዘሸግርዎ ዝነበሩ ካብ ሰማይ ሓዊ ወሪዱ ከንዾም ጸለየ። እንተኾነ ጎይታ ተገሊጹ ምስቶም ከማኻ ዝበሉ ነኣይ ዘሥመሩኒ ናብ መንግሥተ ሰማያት (ገነት) እተግዕዘሉ ጊዜ ስለዝበጽሐ ተጋድሎኻ ድማ ስለዝፈጸምካን ኣይትቆጣዕ ኢሉ ኣጸናንዖ። 💠ቅዱስ ሓዋርያ እንድርያስ ድማ ናይ ሞት ፅዋኡ ንምቅባል እናተጸበየ ከሎ ንመዓት እምበር ንምሕረት ዘይለኣኹ ዓቀይቶት ካብ ቤት ማእሠርቲ ኣውጺኦም ናብ መስቀል ሰቀልዎ። ነብሱ ካብ ሥጋኡ ክሳብ እትፍለ ከኣ ብዳርባ እምኒ ኣቁሰልዎ:: ብድኅርዚ ምመናን ካብ መስቀል ኣውሪዶም ቀበርዎ። 🔸🔸🔸በረኸት ናይ ቅዱስ ሓዋርያ እንድርያስ ምስ ኩልና ይኹን። 💠ሰላም ለከ ረድአ ኢየሱስ ኬንያ፣ እንተ ሰበከ ወንጌላ በኒቆድያ፣ እዜምር ለከ በሃሌ ሉያ፣ ኣንቅሃኒ እምሃኬትየ እንድርያስ ሓዋርያ በከመ ዕበይከ ነቅሓት እሞታ ልድያ። 💠ሰላም ነዓኻ ጥበበኛ ኣገልጋሊ ኢየሱስ ወንጌል ኣብ ኒቆድያ ዝሰበኽካ፣ ክዝምረልካ እየ ብሃሌ ሉያ ከምቲ ብዕብየትካ ካብ ሞት ዝነቅሐት ሊድያ ኣንቅሓኒ ካብ ትህኪት እንድርያስ ሓዋርያ ።

09/07/2019

"ዓይኒ መርፍእ ምንም እንተገፍሔ ገመል ኣይኅልፍን:: (ገድ- ታዴ-19:8)" 🔸ገድለ ታዴዎስ ሓዋርያ🔸 💠ታዴዎስ ማለት ካህነ ኣምላክ ማለት እዩ። ነገዱ ካብ ዮሴፍ ፣ ሀገረ ስብከቱ ሶርያ፣ ዕረፍቱ 2ሓምሌ። 💠ቅዱሳን ሓዋርያት ናብ ደብረ ዘይት ተኣኪቦም ዕንጨይቲ ውድቕ ምስ ገበሩ ታዴዎስ ሓዋርያ ንሃገር ሶርያ ክሰብኽ ዕንጨይቲ በጽሓቶ። በዚ መሰረት እዚ ድማ ንቅዱስ ጴጥሮስ አሰንየኒ ሊሉ ንሶርያ እንዳኸዱ ከለው ሓደ ሓረስታይ ሰብኣይ ረኺቦም እንጌራ እንተሎካ እንዶ ሀበና? በልዎ ንሱ ድማ ሕጂ ምሳይ የብለይን እንተዀነ ንስኻትኩም ምስዞም ኣብዑረይ ጽንሑኒ እሞ ንገዛይ ከይደ ከምጻኣልኩም ኢሉዎም ንገዘኡ ከደ። 💠ንሳቶም ድማ እዚ ሰብ’ዚ ምእንታና የማን ጸጋም ክብል ንምሕራስ ጊዜ ክሓልፎ እዩ እዞም ኣቡዑር ድማ ናይ ልማኖ እምበር ናቱ ከምዘይኰኑ ነጊሩና ነይሩ እዩ። ስለዚ ክሳብ ንሱ ዝምለስ ክንሓርሰሉን ክንዘርኣሉን ዘይንጸንሕ ተበሃሂሎም ታዴዎስ እንዳሓረሰ ጴጥሮስ እንዳዘርኤ ነታ ግራት ወዲኦም ኣብቊሎም ኣፍርዮም ኣሰዊቶም ኣጽንሕሉ። እቲ ሰብኣይ ሓረስታይ ምጽእ እንተበለ ግራቱ ተዘሪኣ ሰዊታ ጸንሓቶ። ነዚ ተራእዮ ዘይፈልጥ ተኣምር ምስ ረኣየ ንስኻትኩምሲ እንታዎት ኢኹም ኣማልኽቲ ዲኹም ኢሉ ብምግራም ናብ እግሮም ወዲቑ ሕጂ እቲ ክገብሮ ዝግብኣኒ ጥራይ ንገሩኒ እሞ ክስዕበኩም በሎም። 💠ቅዱሳን ሓዋርያት ድማ ንቐድም ነቶም ኣብዑር ልማኖ ናብ ዋንኦም ኣብጽሓዮም ስለዝበልዎ ከብጽሖም ክኸይድ ከሎ ካብቲ ሰዊት ስርናይ ሒዙ ሰለ ዝኸደ ናብ መንገዱ ዘረኸብዎ ሰባት ኣብዘይ እዋኑ እዚ ሰዊት ስርናይ እዚ ካበይ ረኺብካ ኣምጺእካዮ? እንዳበሉ ምሕላፍ መንገዲ ከልእዎ ንሱ ግን ነቶም ኣብዑር ልማኖ ንዋንኦም ሂቡ መቐመጥ ሓዋርያት ዝኸውን ቦታ ንኸዳሉ ይህወኽ ስለዝነበረ መልሲ ከይሃቦም ንገዝኡ ኣተወ። 💠እታ ነገር ሰዊት ግን ፈኸም እንዳበለት ናብ መኳንንቲ እታ ዓዲ በጺሐት እሞ ጸዊዖም ሓተትዎን ኣፈራርህዎን ማለት ብትኽክል ኣዘንትወልና እንተዘይነገርካና ግን ክንቀትለካ ኢና በልዎ። ንሱ ድማ ከትወሰኸን ከይነከየን ነገሮም። ንሳቶም ግን እዞም ሰባት እዚኣቶም ወሪኦም ኣለና መሰርያን ከኣ እዮም። ስለዚ ንዓድና ኣትዮም ከስተምህሩ ስቕ ኢልና ክንርእዮም የብልናን ተበሃሃሉ። ካብኦም ድማ ፍርቆም እዞም ሰባት እዚኣቶም ተቓዳዲምና እንተ ቀቲልናዮም ኣምላኾም ዝደለይዎ እዪ ዝገብረሎም ስለዝበሃል ሓዊ ወይ ድማ ማየ ኣይሂ ኣውሪዶም ከየጥፍኡና ክንሓስበሉ ላሎና ዝበሉ ተረኸቡ። 💠በዛ ዳሓረወይቲ ዘረባ ድማ ብቕትለት ዘይኰነ ንኻልእ መንገዲ ክከላኸዎም መደቡ። እምበኣርከስ ዝሙት እዮም ዝጸልኡ ስለዝበሃል ሓንቲ ዘማዊት ሰበይቲ ብዘይ ክዳን ጌርና ናብ በሪ እዛ ዓድና ኣብ ላዕሊ ሰቒልና ነርእዮም እሞ ንድሕሪት ክምለሱና እዮም ኢሎም ናብ በብረኺ ዘለዎ ነገር ደው አበልዋ። ንሳ ድማ በዓልቲ ኩንትራት ስለዝኾነት ናብዚ መጽሓፍ እዚ ክጸሓፍ ዘይግብኦ ነገራት ተርኢ ናበረት። 💠ቅዱሳን ሓዋርያት ድማ ቅዱስ ሚካኤል ኣውሪዱ ሓዲግ ሰማይ ሓዲግ ምድሪ ክሰቕላ ናብ ጐይታ ጸሎት ገበሩ። እቲ ዝደለይዎ ዝገብረሎም ኣምላክ ድማ ንቅዱስ ሚካኤል ኣውሪዱ ብጸጒሪ ርእሳ ሓዲግ ሰማይ ሓዲግ ምድሪ ኣንጠንጠላ። ንሳ ድማ ኣንቱም ናብዚ ዂሉ ፈተነ ዚ ዘእተኹሙኒ ንሓዋርያት ክምሕሩኒ ለምኑለይ በለቶም። ሓዋርያት ድማ ነቶም ናብ ልቢ እቶም ሰባት ኣትዮም ዘጋግዩ ዝነበሩ ኣጋንንቲ ብምርሓቖም ንኹሎም ኣእሚኖም ነታ ስቕልቲ ሰበይቲ ድማ ምሕረት ገበሩላ። 💠በቲ ዝተገበረሎም ምሕረት ድማ ንሳቶምን ንሳን ኣሚኖም ተጠመቑ። ናብታ ቦታ ድማ ቤተክርስትያን ሰሪሖም ነታ ሰበይቲ ኣገልጋሊት ካብቶም ሕዝቢ ድማ ጳጳስን ካህናትን ዲያቆናትን ሸሙሎም ብድሕሪ ዚ ድማ ሓደ ሃብታም ናብ ሓዋርያት ከይዱ ሕይወት ክረክብሲ እንታይ ክገብር ኢሉ ሓተቶም። ጴጥሮስ ድማ 10ተ ቃላት ኣንቢቡ እዚኤን ሓሉ በሎ ንሱ ድማ ነዘን ዝበልካኒ እንተ ሓለውኩወንከ ከማኻትኩምዶ ተኣምር ክገብር እኽእል እየ? ቅ- ታዴዎስ ከኣ እንታይ ድዩ ስርሕኻ ሰበይቲኸ ኣላትካ ዶ ኢሉ ስለዝጠየቖ ሰበይቲ የብለይን ስርሐይ ግን ጽርበት እዩ ብዙሕ ገንዘብ ድማ ኣሎኒ ዝደሌኹሞዎ ክገብረልኩም ድማ ዘድልየኩም ንገሩኒ በሎም። 👉(ግሕ. ፰ ፡ ፲፰ ፳) 💠ጴጥሮስ ድማ እምበኣርከስ ዘሎ ሃብትኻ ንድኻታት ሂብካ ምንን በሎ ንሱ ግን ደስ ስለዘይበለቶ ሃብተይ ኣጥፊእኩም ኣብ ፈተና ከተእትውኒ ኢሉ ተቖጢዑ ንጴጥሮስ ዝረኸበ መሲልዎ ንታዴዎስ ብጐረርኡ ሓነቖ። ታዴዎስ ድማ ጐይታ እኳ ከምዚ ናትካ ዝኣመሰሉ ስለዝረኸበ እዩ ሃብታም መንግስተ ሰማያት ካብ ዝኣቱ ገመል ብዓይኒ መርፍእ ክሓልፍ ይቐልል ዝበለ ኢሉ ወቐሶ። ካልኣይ ድማ ብጐረርኡ ሓኒቑ ክቐትሎ ደለየ። ቅ- ጴጥሮስ ድማ ንምንታይ ሓዋርያ ንርስቶስ ከምዚ ጌርካ እትሓንቕ ኢሉ ገብሖ። ኣብ መንጎ’ ዚ ሓደ ሰብ ገመሉ ሒዙ ብቕድሚኡ ክሓልፍ ርእዮም ናብኦም ጸዊዖም ንሰራሕ መርፍእ መርፍእ ስደደልና ኢሎም ሰብ ለኣኹሉ። 👉(ማቴ. ፲፱ : ፲፯- ፳፫) 💠ንሱ ድማ ነታ ነገር ኣቐድም ኣቢሉ ሰሚዕዋ ሰለዝነበረ ዓይኑ ኣግፍሕ ኣቢሉ ንጊዜኡ ሰሪሑ ሰደደሎም። ንሳቶም ድማ ነቲ ሃብታም ምኽንያት ከይኮኖ ግዲ ኢሎም ኰይኖም ስለ ዘይክእል ከምቲ ልክዑ ጌርካ ደኣ ስደደልና ኢሎም መለሱሉ። ንሱ ድማ ከም ኲሉ መራፍእ ገይሩ ሰደደሎም እሞ ቅዱሳን ሓዋርያት ከምቲ ልሙድ ጸሎቶም ኣብጺሖም ነቲ በዓል ገመል ምስ ገመሉ በታ ጸባብ ዓይኒ መርፍእ ፫ ጊዜ ኣተሓላለፍዎ። እቲ ሃብታም ነቲ መንክራት ምስ ረኣየ እተን ዝገበረን ድፍረት ተዘኪረናኦ ክዳኑ እንዳ ቀደደ ኣብ ትሕቲ እግሪ ሓዋርያት ወዲቑ ምሕረት ክግበረሉ ሓተተ። ነቲ ዝተገብረ ተኣምራት ክርእዩ ተኣኪቦም ዝነበሩ ከይተረፉ ኣመኑን ተጠመቑን። ብድሕር`ዚ ታዴዎስ ሓዋርያ እምነቶም ምስ ኣረጋገጸ ናብ ካልእ ዓዲ ክኸይድ ከሎ ብሰላም ኣፋነወዎ። ንሱ ድማ ፍልእዋን ናብ እትብሃል ምድሪ ይሁዳ በጺሑ ጥዑም ድቃስ ወሲድዎ ከሎ ዐረፈ። 🔸🔸🔸በረኸቱን ረዲኤቱን ምስ ኲልና ሕዝበ ክርስትያን ይኹን። #ብናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ደብረ ኢየሱስ ከተማ በርገን ኖርወይ 2011 ዝተዳለወ::

08/07/2019

"እዛ ሎሚ ዘስተምህራ ዘሎኹ ቃል ወንጌል ናይ መወዳእታይ እያ:: (ገድ- ቶማ- 15:2)" 🔹ገድለ ቶማስ ሓዋርያ🔹 💠ቶማስ ማለት ፀሓይ ማለት እዩ። ነገዱ ካብ ኣሴር ኮይኑ ሃገረ ስብከቱ ህንደኬ፣ ቁጽሩ ካብ 12 ሓዋርያት ዕረፍቱ ግንቦት 26 እዩ። 💠ሓዋርያ ቶማስ ናብታ ዕንጨይቲ ዝሃበቶ ሃገረ ህንደኬ ብዙኃት ምእመናን ካብ ኣምልኾ ጣኦት ናብ ኣምልኾት እግዚኣብሔር ስለዝመለሰ ፣ ሉክዮስ ዝተባህለ መኮንን፣ እንተደኣ እዚ ሰብ እዚ ናብ ሃገርና ክቅመጥ ስቅ ኢልና ር ኢናዮ ንሕዝብና ናብ ኣምልኾቱ ከእትዎም እዩ፣ ኢሉ ኣዚዙ ቆርበቱ ገፊፎም ሑጻ መሊኦም ተሰከሞ ኢሎም ካብ ዓዲ ናብ ዓዲ እንዳ ኣዛወርዎ ከለዉ ፣ ኣብ ቅድሚኡ ዝገጠሙዎ ሕሙማት ምሕዋይን ምትንሣእ ሥርሑ ኣይገደፈን። 💠ኣቀዲሙ ከምዝተጠቕሰ ሓዋርያ ቶማስ ካብታ ዝነበራ ንመቄዶንያ ክኸይድ ከሎ ናብ መንገዲ ጎይታ ስለ ዝረኸቦ ቆርበቱ ከም ቀደሙ ተመልሰሉ። ናብ መቄዶንያ ምስኣተወ ድማ ከም ሓድሽ ስብከተ ወንጌሉ ስለዝቀጸለ ፣ እቶም ሰብ እታ ዓዲ ናብ ቤት ማእሠርቲ ኣእተዉዎ። ሰበይቲ እቲ ንጉሥ ጥርጥባንያንን ጓሉ መምህርናን ብዙኅት ምእመናን ኣኸቲለን ደድኅሪኡ ናብቲ ቤት ማእሰርቲ በጽሐ። እቲ ናይ ቤት ማእሰርቲ ማዕጾ ድማ ዝኸፈቶ ዘይብሉ ባዕሉ ተራሕወለን እሞ ንቅዱስ ቶማስ ኣዘራረባኦ። 👉ግ፣ሓ 12፣6 -9። 💠ቅዱስ ቶማስ ድማ ንኣመንቱን ደለይቱን ኣመስጊኑን ኣጸናኒዑን ጎይታ ካብዛ ኃላፊት ዓለም እዚኣ ናብታ ዘይትኃልፍ መንግሥቱ ክግዕዘኒ ስለ ዝኾነ፣ እዛ ሎሚ ዘስተምህራ ዘለኹ ቃል ወንጌል ናይ መወዳእታይ እያ። ገድለይ ፈጺመ መልእኽተይ ኣብጺሐ እየ በሎም። ሓዋርያ ቶማስ ነቶም ክበጽሕዎ ዝመጹ ቃልን ማዕዳን ብምሃብ ካብ ኦም ብሰላም ተፋንዩ ናብታ ቤት ማእሠርቱ ተመልሰ። እቶም ሓለውቲ ማዕጾ ግን እዚ ሰብ እዚ ናይ ቤት ማእሰርቲ ዚክል ማዕጾ ባዕሉ ዝረሓወሉን ዚዕጸወሉን መሠርይ ክኸውን ኣለዎ። ኢሎም ንጽባሒቱ ናብቲ ንጉሥ ከይዶም ሰበይቱን ጓሉን ዝመርሕዎም ንቶማስ ከምዝበጽሑዎን ምስ ኡ እውን ከምዝተዘራረቡን 2 ግዜ እውን ክ ኣቱን ክወጽእን ከም ዝተራእየ ሰበይትኻን ጓልካን ድማ ብምሥጢር ምስ ኡ እናተዘራረባ ከምዝኸዳ ርግጸኛታት ኢና። 💠ስለዚ ንሕና እዚ ሰብ እዚ ዘለዎ ቤት ማእሰርቲ ክንሕሉ ስለዘይንኽእል ካብዚ ሥራሕ እዚ ኣፋንወና ኢሎም ኣመልከቱሉ። ንሱ ድማ ነቲ ቤት ማእሰርቲ መፍትሑን ማኅተሙን ርእዩ እዚ ዝበልኩምዎ ቃል ሓሶት እዩ። ምኽንያቱ እዚ መፍትሑን ማኅተሙን ከምቀደሙ ኮይኑ ረኺበዮ እየ በሎም፣ እንተኾነ ነቲ ነገር ብማሕላ ስለ ዝደገፍዎ በሉ እስኪ ካብቲ ቤት ማእሠርቲ ኣውጺኩም ናባይ ኣቅርቡለይ ስለ ዝበሎም ኣቅረቡሉ። 💠ንጉስ ምስትዮስ ድማ ምስ ረኣዮ ባርያ ዲኻ ጎይታ ኢሉ ሓተቶ። ሓዋርያ ቶማስ ድማ ናይቲ ናትካ ሥልጣን ዘይበጽሖ ኢየሱስ ክርስቶስ ባርያ እየ ኢሉ መለሰሉ። እቲ ንጉስ ድማ ዘይተጸበዮ ደረቅ መልሲ ብምስማዑ ተቆጢዑ በል እስከ ካብ ዓድኻ ናብዚ መምጽኢኻ እንታይ እዩ/ 👉ግ፣ሓዋ 17፣6። ምስ በሎ ድማ ነዚ ሕዝቢ እዚ ካብ ኣምልኾ ጣዖት ናብ ኣምልኾ እግዚኣብሔር ንምምላስ እየ ተላኢኸ መጺ አ ዘለኹ በሎ። ዘረባኦም ክቀባበሎ ብዘይምኽኣሎም ከኣ ምስትዮስ ሕጂ ብሥራይካ እዚ ኩሉ ሕዝቢ ስለዝፈለጠካ ነ ኣኻ ቀቲለ ትምህርትኻ ድማ ሱሩን መሠረቱን ካብዚ ሃገር ከምዝጠፍእ ክገብር እየ ኢሉ ፈከረሉ። 💠ሃዋርያ ቶማስ ድማ ሓንቲኣ ትኹን ኢሉ ግብረይሲ ድኅሪ ሞተይ ኣጸቢቁ ከስፋሕፍሕ እዩ ኢሉ ኣብ ኣፉ መለሰሉ። እቲ ንጉሥ ቀልጢፉ ከምቲ ዝፈከሮ ንሞት ዘይመውሃቢኡ ግና ብዙኃት መኳንንትን ዓበይቲ ሃገርን ብስብከት ቶማስ ኣሚኖም ስለ ዝነበሩ ይብሉኒ ይኾኑ ዝብል ጥርጠራ ስለ ዘኅደረ እዩ ኣማስያ ኡ ግን ኣብ ቅድሚ ሕዝቢ ምቅታሉ ምጥዓም ምስ ሰኣኖ 12 ዕጡቃት ዓቀይቶት ልኢኹ 2 ምዕራፍ ዝ ኣክል ኣርሒቅኩም ወሲድኩም ቅተልዎ ኢሉ ኣዚዙ ሰደዶም። 💠ቅዱስ ቶማስ ድማ ናብቲ ንሞት ዝተመደበሉ ቦታ ምስ በጽሐ ቅድሚ ሞቱ ነዊሕ ጸሎትን ምስጋናን ናብ ኣምላኹ ኣቅረበ። ነቶም ሰራዊት ድማ ሕጂ እቲ ዝተኣዘዝኩምዎ ነገር ፈጽምዎ በሎም። እሞ ካብቶም ዝተመደቡ 12 ዓሳክር 4 ኩናቶም ወርዊሮም ወጊኦም ኣውደቅዎ። ነፍሱ ካብ ሥጋኡ ተፈልየት፣ ( ዜና ቤተ ክርስትያን ገጽ 152-153)። እቶም ምእመናን ግን ብንጹህ ኦለባ ገኒዞም ቀዳሞት ነገሥታት ኣብ ዝቅበሩሉ ዝነበሩ መካነ መቃብር ቀበርዎ። ካብቶም ዝቀበርዎ ምእመናን ሱቁራ ኣውስያ ዝበሃሉ ኣብቲ መቃብር ስለዝተረፉ እቶም ካል ኦት ነናብ ገዝ ኦም ምስ ተመልሱ ሽዑ መኦልቲ ንጊዚኡ ቶማስ ተገሊጹ ንምንታይ ናብዚ ተረፍኩም ነኣይሲ ኢየሱስ ክርስቶስ ጎይታይ ተቀቢሉኒ ኢዩ ሕያው እየ እምበር ምዉት ኣይኮንኩን በሎም። 💠ንዳኅራዋይ ጊዜ እዉን ንስካትኩም ኣነ ናብ ዘሎኽዎ ክትመጹ ኢኹም ኢሉ ነታ ነኣኻትኩም ዝተቀበለ ነኣይ ተቀበለ ኣትብል ቃል ጎይታ ነቶም ሰዓብቲ ሓዋርያት ንሕና ናብ ዘሎናዮ ንስኻትኩም ክትመጹና ኢኹም ፣ ማለቱ ንጊዚኡ ናብ ገነት ንደኅራዩ ድማ ናብ መንግሥተ ሰማያት ማለቱ ስለ ዝኾነ ኣቀዲሙ ነቶም ክሳብ ዕለተ ሞቱ ብእግርን ብግብርን ዝሰዓብዎ ዓቢይ ብሥራት ኣስምዖም። 🔹🔹🔹ጸሎቱን በረኸቱን ምስ ኩልና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን። 💠ሰላም ለቶማስ እንተ ደለዎ ይግሥሶ፣ ለርጉዝ በግዕ ድኅረ ተንሥኣ ደቂሶ፣ በኣንቅሖ ሙታን ሰብእ ወነፍሰ ሕሙማን ለፈውሶ፣ ኣንሶሰወ ውስተ ኩለሄ ወነገደ መርሶ፣ በኣምሳለ ፅፍነት እንዘ ይጸውር ማዕሶ። 💠ሰላም ንቶማስ ንዝተወአ በጊዕ ካብ ድቃሱ ኣተንሲኡ ክድስሶ ዝተገብኦ፣ ንሙታን ብምንቃሕ ንነፍሲ ሕሙማን ብምፍዋስ፣ ናብ ኩሉ ዞረ እንተላይ ወደብ ፣ ብኣምሳል ሎቆታ ማእሱ ብምጻር። «ስንክሳር 26 ግንቦትን 1 ሓምለን።» #ብናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ደብረ ኢየሱስ ከተማ በርገን ኖርወይ 2011 ዝተዳለወ::

08/07/2019

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፍእስ ቅዱስ ኣሐዱ ኣምላክ ኣሜን! ዝከበርኩም ተከታተልቲ ናይዚ ገጽ ብምክንያት ኣብዚ ሰሙን በዓል ብዝሒ ናይ ሐዋርያት በዓል. ንገድሊ 12 ሐዋርያት ናይ ምስክርነት ዕረፍቲ ነዚ ሰሙን ከነቅርበልኩም ምኳና ንሕብር. እግዚአብሔር ሰላሙ ይሃበና. በረከት ናይ ቅዱሳን ሐዋርያት የካፍለና:: #ብናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርስቲያን ደብረ ኢየሱስ ከተማ በርገን ኖርወይ

07/07/2019

ሰላም ለልደትከ ከመ ገብርኤል አደሞ:: 6 አውራኅ ለልደተ ክርስቶስ ዘይቀድሞ:: ዮሐንስ ምዑዝ እምስሂን ወቀናንሞ:: ለለነበብኩ በጽሒቅ ለመልክእከ ሰላሞ:: ከመ ከላስስት በሕፅንየ ሲሞ:: ሰላም ንልደትካ ከምቲ ገብርኤል ዝበሎ: ብ 6 ወርሒ ንናይ ክርስቶስ ልደት ዝቕድሞ::ዮውሃንስ ምእዙ ካብ ጨና ቀናንሞ:: ናይ መልክእካ ሰላም መመሊሰ ምስ ኣንበብኩ:: ከም ጥቅሉል ኣብ ሕቁፈይ ኣንብሮ(ሲሞ)::

05/07/2019

በስመ አብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ አሐዱ አምላክ! 💠ዝክረ ጻድቅ ንዓለም ይሄሉ፦ አቡነ ክፍለ ሥላሴ ዘዛውል ወዘባንብቆ 💠ካብ ከርሢ ዛውል ዝወፅኡ ብርሃን ሃይማኖትን ዓምዲ ሥነ ምግባርን ዝኾኑ ብዕድመ ወዲ 28 ዓመት መንእሰይ፡ ብመንፈሳዊ ብስለት ግና ኣረጋዊ ዝኾኑ ኣቡነ ክፍለሥላሴ በረኸት ቅዱስ ታሪኾም ክንካፈል ፍቓድ እግዚአብሔር ይኹነልና። አቡነ ክፍለ ሥላሴ ካብ ኣቦኦም ተክለማርያም ወልደ ዘኬዎስን፡ ካብ ኣደኦም ርግበ ዳዊትን ኣብ ዛውል ተወልዱ። ስሞም ድማ ‘መሓርየ እግዚእ’ በልዎም። መሓርየ እግዚእ (ኣቡነ ክፍለሥላሴ) እተን ልምሉማት ኣእጋሮም ናይ ታተ ዕድሜአን ኣኅሊፈን ምስ ተረራ ብኡ ንብኡ ናብ ጕስነት ጤለ በጊዕ እየን ወፊረን። 💠’ኅሩይ እምከርሠ እሙ’ ካብ ማኅፅን ኣደኦም ዝተኃርዩ ስለዝነበሩ ገና ካብ ሕፃንነቶም ጀሚሮም ፍርሀተ እግዚአብሔር ዝነበሮም ‘ስመ ሥላሴ’ ብከንቱ ዘየልዕሉ ምእዙዝ ነበሩ። ንጠባዮም ዘጽንዑ ካብቶም ንጥሪቶም ምምላስ ዝተሃከዩ ጓሶት “ብስም እግዚአብሔር ምለሰን” ይብልዎም እሞ ስለ ስመ እግዚአብሔር ኢሎም ይእዘዙ ነበሩ። 💠ንከንቱነት ዓለም ብቃለ እግዚአብሔር ንክስዕሩ በትሪ ጕስነት ደርብዮም ናብ ደብረ ኣቡነ ሳሙኤል ደብረ ኣባይ ኣምርሑ። ኣብ ደብረ ኣባይ ከኣ ብዘደንቕ ትሕትና ንኣቦታት እናተኣዘዙ፡ ብዘሎ መጻሕፍተ ቤተ ክርስቲያንን መዝሙረ ዳዊትን ኣጽፊፎም ተማህሩ። ምስናይ ብርቱዕ ተጋድሎ ተማሂሮም በረከተ አበው (መንፈሳዊ ምርቓ) ሰኒቖም ናብ ገዳም ደብረ ቢዘን ከዱ። 💠ኣቡነ ክፍለሥላሴ እቲ ተጋድሎ ቅዱሳን አበው ዘደብረ ቢዘን ከም ዕንባባ ዝረኣየ ንህቢ ሃነን ኣበሎም። ዓቢይ ፍቕሪ መንፈሳውነት ስለ ዝነበሮም ከኣ ኣሰረ ፍኖት ቅዱሳን ኣቦታት ኣቡነ ፊልጶስን ኣቡነ ዮሓንስን ስዒቦም ብሕይወቶም ኪመስልዎም ጊዜ ኣይወሰዱን።ሥጋኦም ንማኅበር፤ ነፍሶም ንእግዚአብሔር ዝወፈዩ ጻድቅ ኣቦ ስለዝነበሩ፡ ደኺመ ከይበሉ ዕዮታት ማኅበር ንምስላጥ ለይትን ቀትርን የገልግሉ፣ ንሓንቲ መዓልቲ’ውን ትኹን ብኩራት ብዘይብሉ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰዓተ ጸሎት ሓደ ሽሕ (1000) ስግደታት እናሰገዱ ናይ ሾብዓተ ሰዓታት ጸሎት የብጽሑ ነበሩ። ሰንሰለት ተዓጢቖም ድማ ብዘይ ድቃስን ዕረፍትን ጸኒዖም ይጋደሉ ነበሩ። 💠ብቓልን ብግብርን ሕያው ወንጌል ስለዝኾኑ ድማ ካብ ኣባ ገብረ ማርያም (ካብ አቡነ ፊልጶስ ሻዱሻይ አበምኔት) ምንኵስና ተቐቢሎም ኣስኬማ መላእክት ደፍኡ። ድኅሪ ምንኵስናኦም እቶም ኣኅዋት መነኰሳት ንሲሳይ ዚኸውን ማሕረጽ ኪጥሕኑ ኣዘዝዎም። ኣቦና ድማ ኣቐዲሞም ሓሪጾም ስለዘይፈልጡ “ኣነ ሓሪጸ(ጥሒነ) ኣይኽእልን እየ እሞ ግደፉኒ” በልዎም። እቶም ኣኅዋት መነኰሳት ከኣ “እዚ ዕቡይ መነኮስ እንታይ ኮይኑ እዩ ሓሪጹ ዘይኽእል፧” ብምባል ኣዕዘምዘሙ። 💠ኣቡነ ክፍለ ሥላሴ ብምጕርምራም ናይቶም ኣኅዋት ኣዝዮም ብምኅዛን ናብ መጋቢ ከይዶም “ብዓቕመይ ክሓርጽ ሥርናይ ሃበኒ” በልዎ። ካብ መጋቢ ሥርናይ ተቐቢሎም ናብ ቤት ማሕረጽ ኣትዮም ናብቲ ‘ዝለመንዎ ዘይከልእ ዝነገርዎ ዘይርስዕ’ ልዑል እግዚአብሔር ምስ ጸለዩ ድኅሪ ጸሎቶም እቲ ሥርናይ ተጣሒኑ ጸንሖም። ሽዑ ንእግዚአብሔር ኣመስጊኖም ነቶም ኣኅዋት ሃብዎም፣ ንሳቶም ግና ነቲ ምሥጢር ኣይፈለጥዎን። ከመይ! ኣቡነ ክፍለሥላሴ ነዚ ነገር እዚ ብዘይካ ንሓደ ዝፈትዎም እንተዘይኮይኑ ንኻልእ ኣይነገሩን። 💠ኣባ ክፍለ ሥላሴ ድኅሪ ምንኵስና ናብ ጳጳስ ሃገረ ደምብያ ከይዶም ሥልጣነ ክህነት ተቐብኡ። ተቐቢሎም ኪምለሱ ከለዉ፡ ኣብ ፈለግ መረብ ምስ በጽሑ ነቲ ምስኦም ዝነበረ ንእሽቶ ብሥጋ ኃዎም፡ “ኦ ኃወይ እንሆ እቲ ብሥጋ ዝወለደና ኣቦና ሎሚ ኣዕሪፉ ኣሎ” በልዎ። ሽዑ ዓዲ ምስ ኣተዉ እቶም ደቂ ዓዲ ዛውል ዘይፈለጡ መሲልዎም “ኣቦኻ ዓሪፉ” ኢሎም ነገርዎም። ኣባ ክፍለ ሥላሴ ከኣ፣ “ኦ ኣኅዋተይ ኣይትብከዩ፣ ኣቦይ ከም ዝዓረፈ ኣቐዲመ ፈሊጠ እየ፣ እግዚአብሔር ኣብ ገነት ሓጐስ ምእንቲ ከእትዎ ግና ብጸሎት ኃግዙኒ” በልዎም። እቶም ሰባት ነዚ ምስ ሰምዑ በቲ ዝተዋህቦም ጸጋ ተገረሙን ንእግዚአብሔር ኣመስገኑን። 💠ኣቡነ ክፍለሥላሴ መዓርገ ክህነት ተቐቢኦም ውኁዳን ዓመታት ኣብ ገዳም ደብረ ቢዘን ምስ ጸንሑ፣ ናብ ገዳም አቡነ እንድርያስ ሰፍኣ ጺዳርዋ ኪኸዱ እኳ እንተሓሰቡ፣ ብራእይ ግና “ናብ’ታ ዓባይ ዳዕሮ ዘላታ እምባ ባምብቆ ኢኻ ትኸይድ” ዝብል ኣምላኻዊ መልእኽቲ መጽኦም። ንፍቓድ መንፈስ ቅዱስ ብሕጕስ መንፈስ ተቐቢሎም ከኣ ኣብ ባምብቆ ዓቢይ መንፈሳዊ ተጋድሎ ጀመሩ። ድኅሪ ውኁድ ዓመታት ቤተ ክርስቲያን ሓኒፆም፡ ካብ ደብረ ቢዘን ብስም ቅድስት ሥላሴ ታቦት ኣምጽኢሞ፣ ጸሎተ ቅዳሴ ሠሪዖም ነቲ ቦታ ባረኽዎን ቀደስዎን። 💠ኣቡነ ክፍለሥላሴ ብዙኃን ደቀ መዛሙርት ኣፍርዮም፡ ብጸሎቶም እናረድኡን ብትሩፋቶም ግብሪ ጽድቂ እናፈጸሙን ነበሩ። መርኣያ ቅድስናኦም ድማ ኣብ ባምብቆ ቦታኦም ከለዉ፡ ከምቲ ታቦተ ጽዮን ንነቢይ ዕዝራ ብኣምሳል ኅዝንቲ ሰበይቲ ዝተራእየቶ፡ ከምኡ ድማ ከምዚ ሰብ ምስ ሰብ ዚዛረብ ብራእይ መጺኣ “ ኦ ፍቁርየ ሊተሰ ወደዩኒ ውስተ ዝኅር በአምሳለ ግሔ ኀበ አልቦቱ መሥዋዕት ወቍርባን ቅዱስ ወኢየዐርጉ ዕጣነ ንጹሐ” – “ኣንታ ፍቁረይ ነኣይ’ሲ ከም ጊሔ ኣብ ሓደ ጕድጓድ ኣብቲ መሥዋዕቲ፣ ቍርባን፣ ንጹሕ ዕጣን ዘይብሉ ቦታ ኣእትዮሙኒ” ክትብል ተዛረበቶም። እዚ ከኣ ኣብቲ እዋን እቲ ካህናት ቤተ ክርስቲያን ዓዲ ፈለስቲ፡ ነቲ ዮልዮስ ዝተባህለ ኃያልን ዓማፅን መኰንን ቤተ ክርስቲያንና ከየቃጽለልና ብምባል ፈሪሆም ንታቦት ኣብ በረኻ በዓቲ ኃቢኦም ብዘይ ሰብ ስለዝኃደግዎ እዩ። አቡነ ክፍለ ሥላሴ ነዚ ነገር እዚ ምስ ሰምዑ ናብ ዓዲ ፈለስቲ ብምኻድ ነቶም ካህናት፣ “ብሓቂ ዲኹም ንታቦት ኣብ ጕድጓድ በዓቲ ኃቢእኩምዎ፧” በልዎም። ንሳቶም “ታቦት የብልናን ኣይኃባእናን” በልዎም። ኣቡነ ክፍለሥላሴ ግና “ኦ ኣኅዋተይ ፣ ሓቂ ተዛረቡ ኣይትኅብኡለይ” ብምባል ኵሉ እቲ ዝረኣዮ ካብ ጥንቱ ክሳዕ ተፍጻሜቱ ምስ ነገርዎም፡ ኣዝዮም እናፈርሁ “ኦ ኣቦና፣ እወ ንዮልዮስ ፈሪህና ነቲ ታቦት ኣብ በዓቲ ኃቢእናዮ ኣሎና፣” በልዎም። በዚ ኸኣ ነቲ ታቦት ብኽብሪ ናብ ቤተ ክርስቲያን መለስዎ። 💠ኣቡነ ክፍለሥላሴ ከም መቐጸልታ ጽኑዕ ተጋድሎኦም ከኣ ነቶም ተማሃሮኦም “ኣብ ውሽጢ ቤቱ ሾብዓተ እመት ዝኸውን ጕድጓድ ኵዓቱለይ እሞ፣ ኣነ ኣብኡ ምስ ኣቶኹ ክደኑኒ፣ ኣብ ልዕሊኡ ከኣ ናይ ዕንጨይቲ ሰሌዳ ጌርኩም ብጸብርን ብኣእማንን ልክዕ ብምስሊ መቓብር ሕተምዎ፣ “ሰባት ኣበይ ኣሎ፧” ኢሎም ምስ ዚሓትኹም “ኣይፈለጥናን በልዎም”፣ 40 መዓልትን 40 ለይትን ምስ ኮነ ግና ከፊትኩም ደሃየይ ግበሩ” በልዎም። ኵሉ ምስ ተዳለወ ኣቡነ ክፍለሥላሴ ምስቲ ኣብ ሰብነቶም ዘሎ ሞቝሕ ናብቲ ጕድጓድ ኣተዉ እሞ ኣብርሃም ዝተባህለ ወደ መዝሙሮም ምስኦም ኣትዩ ኢዶምን እግሮምን ኣሲርዎም ወፅአ። ከምታ ዝኣዘዝዎም ነቲ ጕድጓድ ሓቲሞም፡ ሰብ ምእንቲ ከይፈልጥ ሓደ ዓቢይ መደብ ሠርሑላ። 💠ንጽባሒቱ ግና “ኦ ፍቁረይ ስለምንታይ ከምዚ እትገብር፧ ንስኻ ኣብ ጕድጓድ ኣቲኻስ መን እዩ ቅዱስ ሥጋን ክቡር ደምን ኪሥውዕ፣ መንከ ኪዓጥን፧ ሕጂ ድማ ንዓ ቀልጢፍካ ተንሥእ።’ ዝብል ብራእይ ተገልጸሎም። ብኡ ንብኡ ኸኣ እቲ ተዓፅዩ ዝነበረ ብተኣምራት ተኸፊቱ፣ እቲ መእሰር ኣእዳዉን እግሩን ተፈቲሑ ቀልጢፉ ወፅአ። ናብ ቤተ ክርስቲያን ኣተዉ እሞ ሰዓት ሾብዓተ ምስ ኮነ ብኢዶም ጠቓዕ ጠቓዕ ኣበሉ። እቶም ደቀ መዛሙርቶም ከኣ ድምፂ ሰሚዖሞ ብቕልጡፍ እንተመጽኡ ኣብ ቤተ ክርስቲያን ተቐሚጦም ረኸብዎም። “መን ደኣ ኣውፂኡካ፧ መን’ከ ኢድካን እግርኻን ፈትሓልካ፧” ኢሎም ምስ ሓተትዎም እቲ ኵሉ ዝኾነ ነገር ነገርዎም። 💠ኣቡነ ክፍለ ሥላሴ ብሕይወተ ሥጋ ከለዉ ነቲ ዜና ቅድስናኦም ዝሰምዑ ሕዝቢ ብጸሎቶም ክራድእዎም ይምሕጸንዎም ነበሩ። ካብ ዕለታት ሓደ መዓልቲ ኣብ’ዛ ደብረ መድኃኒት ኢሉ ዝሰመያ ደብሩ ዓዲ ባምብቆ ክፉእ ሕማም ከብቲ (ጉልሓይ) ኣተወ እሞ: ብዙኃን እንስሳ ተወድኡ። ሽዑ እቶም ሕዝቢ ናብ አቡነ ክፍለ ሥላሴ መጺኦም ነገርዎም። ኣቡነ ክፍለ ሥላሴ ኸኣ “እቲ ዘሕምመን ዘሎ ክፉእ ጋኔንን መንፈሰ ርኩስን እዩ” ፣ ብኃይሊ ሥጋን ደምን ጐይታይ ኢየሱስ ክርስቶስ ከባርሮ እየ” በሎም። ሽዑ ቅድሚ ጸሎተ ቍርባን ምሥርዑ እቲ እኩይ ጋኔን ወፂኡ ኣብ ኣፍ ደገ እቲ ዓዲ ከይዱ ብዓው ዝበለ ድምፂ ኣእወየ። እቶም ደቂ ዓዲ ኣውያት ምስ ሰምዑ ድምፂ ሰይጣን ምዃኑ ስለዘይፈለጡ፡ ሰባት ዝተባእሱ መሲልዎም ከካብ ቤቶም ወፂኦም እንተጐየዩ ብዓይኖም ዝርእይዎ ሰብ ስኢኖም “እንታይ ዲና ኴንና፧ እዚ ኣውያት ኣበይ ድዩ፧” እናበሉ ናብ ዓዶም ተመሊሶም ንጽባሒቱ ናብ አቡነ ክፍለ ሥላሴ ከይዶም ዘጋጠሞም ኵሉ ነገርዎም። ኣቡነ ክፍለሥላሴ ከኣ “ኦ ኣኅዋተይ፤ ኣዚኹም ተሓጐሱ፥ ንእግዚአብሔር ከኣ ኣመስግንዎ፣ ምኽንያቱ እቲ ዝበኣሰኩም ዝነበረ እኩይ ጋኔን ንሱ እዩ ኡይ እናበለ ብኃይሊ አምላኸይ ኢየሱስ ክርስቶስ ናብ ባሕሪ ገጹ ዝሃደመ” በልዎም። ብድኅሪዚ ኣብ እንስሳ ምሉእ ጥዕና ኮይኑ እንስሳ ኣዝዮም በዝኁ፣ እቶም ደቂ እቲ ከባቢ ከኣ ተሓጐሱ፣ ነቲ ንጻድቕ ኣቡነ ክፍለሥላሴ ዝሃቦም እግዚአብሔር ከኣ ኣመስገኑ። 💠ኣቡነ ክፍለሥላሴ ካብ ኣገልግሎት ቤተ ክርስቲያን ዘይፍለዩ እኳ እንተኾኑ ሓደ እዋን ግና ክሳዕ ናብ ቤተ ክርስቲያን ኬድካ ገተገልግል ዘይክእል ሕማም ስለዝሓመሙ፡ ኣብ ክንዳኦም ሓንቲ እግሩ ሕምምቲ ዝኾነት ፈታዊኦም ካህን ናብ ቤተ ክርስቲያን ከይዱ ብሓንቲ እግሩ ቆይሙ ኣብ መንደቕ ተጸጊዑ ብሰሜንን ደቡብን ዓጢኑ ፣ ብምሥራቅን ምዕራብን ታቦት ግና ከይዓጠነ ወዲኡ፣ ኪበጽሖም መጸ። ሽዑ ኣቡነ ክፍለ ሥላሴ “ኣንታ ኃወይ፣ ስለምንታይ ከምዚ ትገብር፧ ብወገን ምሥራቕን ምዕራብን ስለምንታይ ከምቲ ናይ ኣቦታትካ ጌርካ ዘይዓጠንካ፧” በልዎ። እቲ ካህን ነዚ ምስ ሰምዐ፣ ኣዝዩ ሰንበደ፣ ፍርሃትን ራዕድን ከኣ ኃዞ፣ በቲ ዝገበሮ ጌጋ ተኣሚኑ ከኣ ተነስሐን ንእግዚአብሔር ኣመስገነን። 💠ኣቡነ ክፍለ ሥላሴ፣ ጊዜ ዕረፍቶም ምስ ቀረበ፡ ነቲ ፈታዊኦም ካህን “ኦ ኃወይ፣ ኣነ ሠሉስ መዓልቲ ኣብታ በዓል ኣቦና አብርሃም ክመውት እየ” በልዎ። እቲ ካህን ከኣ ኣዝዩ ተገረመ። እንተኾነ ክሳዕ እታ ጊዜ ዕረፍቶም ብብርቱዕ ተጋድሎ ይነብሩ ነበሩ። ቅድሚ ምንኵስና ዕሥራ (20) ዓመት፣ ድኅሪ ምንኵስና ከኣ ሸሞንተ (8) ዓመት ነይሮም፣ኣብ 28 ዓመት ዕድመኦም ካብ ብዝኂ ገድሊ ሓሚሞም፡ ሠናይ ተጋዲሎም ጕያኦም ወዲኦም ሰዓት ሾብዓተ ሠሉስ 28 ሰኔ ብሰላም ናብ ናይ ዘለዓለም ዕረፍቶም ኸዱ። ከመይ! ‘ጻድቃንሰ ኢሞቱ ኀበ እግዚኦሙ ነገዱ በመንግሥተ ሰማያት ይሁቦሙ ዘፈቀዱ’ ከምዝብል። ኣቡነ ክፍለ ሥላሴ ኣብታ ባዕሎም ዝተኸልዋን ዚጽልዩላ ዝነበሩን ደብረ መድኃኒት ቅድስት ሥላሴ ባምብቆ ቤተ ክርስቲያን ተቐብሩ። ክሳዕ ሕጂ ኣስከሬኖም ኣብ ቤተ ክርስቲያን ደብረ መድኃኒት ቅድስት ሥላሴ ባምብቆ ተኣምራት እናኣርኣየ ይነብር ኣሎ። 💠ናይ ኣቡነ ክፍለሥላሴ ዝኽሮም ዝገበረ፣ ብጸሎቶም ዝተማሕፅነ ኣብዚ ዓለም እዚ ካብ መከራ ሥጋ፣ ኣብቲ ዚመጽእ ዓለም ካብ መከራ ነፍሲ ዚድኅን ምዃኑ ካብ እግዚአብሔር ቃል ኪዳን ስለ ዝተቐበሉ፡ ብሓፈሻ ሕዝበ ክርስቲያን ብፍላይ ድማ ሕዝቢ ባምብቆን ሕዝቢ ዛውልን ዓመት መጽአ 28 ሰኔ ብኽብሪ ዝክረ በዓሉ የብዕልዎ እዮም። 💠💠💠ጸሎቱን ምሕረት አምላኹን ምስ ኵላትና ሕዝበ ክርስቲያን ይኹን፥ ኣሜን። 💠ይትባረክ እግዚአብሔር አምላከ አበዊነ💠

30/06/2019

#ሎሚ ኣብ ቤተክርስቲያና ደብረ እየሱስ ናይ ማርያም ደብረ ሲና ውዳሴ ኣዴታት

28/06/2019

💠 ሰላም ለቤትኪ እንተ ቀደሳ በደሙ:: ማርያም ወልድኪ:: ዘመንክር በአርያሙ:: በእንቲአነ በልዮ ሰአሊተ ምሕረት እሙ:: ኢታማስን ግብረ እዴከ እንተ ለሐኩ ቀዲመ:: ቦኑ ለከንቱ ኬንያ ይፃሙ:: 💠 ሰላም ለማርያም ሶበ ፍቅረ ሰብእ አገበራ:: በዛቲ ዕለት ሶበ ኣስተብቁዓቶ በሊቶስጥራ:: መሓለ ላቲ እግዚአብሔር በኩራ:: ከመ ያድኅኖሙ እምነ ኩሉ መከራ:: ለእለ ጸውዑ ስማ ወገብሩ ተዝካራ:: 💠 ነታ ብደሙ ዝቐደሳ ቤትኪ ሰላም: ማርያም መንክር እዩ ወድኺ ኣብ ኣርያሙ:: ምእንታና በልዮ ምሕረት እትልምኒ ኣዲኡ: ነቲ ቅድም ስራሕ ኢድካ ዝኾነ ፍጥረት አይተጥፍኣዮ: ከም ንኸንቱ ዝጻምወ ጥበበኛ መታን ከይትከውን:: 💠 ፍቅሪ ደቂ ሰብ ዝበዝሓ ንማርያም ሰላም:: በዛ ዕለት ምስ ለመነቶ ኣብ ሊቶስጥራ:: እግዚኣብሔር በኹራ መሓለላ: ስማ ንዝጸዑን ተዝካራ ንዝገበሩን : ካብ ኩሉ መከራ ከድሕኖም::

19/06/2019

ሰላም ለሚካኤል መሐሪ ውእቱ:: ወተኣዛዚ ለሰብእ በዲበ ሠናይቱ:: ለቀርነ ዝንቱ መልኣክ: በድምጸ ንፍሐቱ:: በከመ ኮነ ቀዳሚ ውስተ ሰማያት ዕርገቱ:: ለእግዚአብሔር ይከውንዳግመ ምጽኣቱ:: መሓሪ ንዝኾነ ሚካኤል ሰላም:; ብሰናይ ንሰባት ተኣዛዚ: ብንፍሓት ድምጺ መለኸት ናይዚ መልኣክ: ቀዳማይ ዕርገት ከም ዝኾነ: ዳግማይ ናይ እግዚአብሔር ምጽኣቱ ውን ብኸምኡ ክኸውን እዩ::

16/06/2019

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን! ሰላም እግዚአብሔር ምስ ኩላትና ይኹን ዝኸበርኹም ቤተሰብ እግዚአብሔር ጾመ ሓዋርያት:- 👉10ሰነ 2011 ዓ.ም.ግ (17/06/2019 ዓ.ም.ፈ) ጀሚሩ 👉5ሓምለ 2011 ዓ.ም.ግ (12/07/2019 ዓ.ም.ፈ) ክውድእ እዮ:: ጾምና ጾመ በረኸት ሓጥያትና መደምሰሲ መንግስተ ሰማያት መውረሲ ይግበረልና::

16/06/2019

ወረደ ላዕሌሆሙ መንፈስ ቅዱስ ከመ ዘእሳት ወተናገሩ በነገረ ኩሉ በሓውርት:: መንፈስ ቅዱስ ከም እሳት ኣብ ልዕሊኦም ወረደ ብኹሉ ቋንቋትት ውን ተዛረቡ::

11/06/2019

#ዓረገ ውስተ ኣርያም

11/06/2019

#ናይ በዓል ዋዜማ

11/06/2019

# ናይ በዓል ዋዜማ

11/06/2019

#መመረቕታ ተማሃሮ

Bilder

Her kan du finne bilder fra Debre Iyesus Orthodox Tewahedo Church Bergen:

Videoer

Her kan du finne videoer fra Debre Iyesus Orthodox Tewahedo Church Bergen:

#ሎሚ ኣብ ቤተክርስቲያና ደብረ እየሱስ ናይ ማርያም ደብረ ሲና ውዳሴ ኣዴታት

#ዓረገ ውስተ ኣርያም

# ናይ በዓል ዋዜማ

#ዑደት ሆሳእና

ሎሚ ኣብ ቤተክርስትይን ደብረ እየሱስ በርገን ናይ ማህሌተ ጽጌ መፈጸምታ

ክብረ በዓል መስቀል 2010 ግእዝ ኣብ ከተማ በርገን

ዝሓለፈ ዓመት ዝነበረ ኣገባብ ኣበዓዕላ መስቀል ብናይ ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ደብረ ኢየሱስ ኣብ ከተማ በርገን

Eritrea Orthodox Tewahdo Church Debre Iyesus Bergen Norway 201...

Eritrea Orthodox Tewahdo Church Debre Iyesus Bergen Norway 2011-2017

Tilbakemelding
Har du mer informasjon om denne kirke?
Send oss en melding da vel!


Restauranter i nærheten

Sjekk også følgende Restauranter i nærheten:

Bien Restaurant
Fjøsangerveien 30, Bergen
Pingvinen
Åpent
Vaskerelven 14, Bergen
Los Tacos
Åpent
Olav Kyrre Gate 27 Bergen, Europarådets Plass 1 Oslo, Vetrlidsallmenningen 1 Bergen, Skagen 8 Stavanger, Strandgata 155 Haugesund, Bergen
Latinamerikansk, Meksikansk
Restaurant 1877
Stengt
Vetrlidsallmenningen 2, Bergen
Brunch, Sjømat
Hotel & Restaurant No13
Torgallmenningen 13, Bergen
Sumo restaurants
Åpent
Vestre Torggate 3, Bergen
Asiatisk, Asian Fusion, Japansk, Sushi
Egon
Åpent
Torgalmenningen 11, Bergen
Egon
Åpent
Vetrlidsalmenningen 2, Bergen
Family Style
Ruccola Cafe & Restaurant
Åpent
Vetrlidsallmenningen 7, Bergen
Europeisk, Italiensk
Soya Restaurant
Åpent
Finnegårdsgaten 6, Bergen
Asiatisk, Asian Fusion, Kinesisk, Thai, Vietnamesisk
Naomi Restaurant & Bar
Åpent
Nedre Korskirkeallmenning 2, Bergen
Afrikansk, Etiopisk, Europeisk, Italiensk
Royal Gourmetburger og Gin
Åpent
Neumannsgate 2A, Bergen
Burger
Olivia Zachariasbryggen
Åpent
Torget 3, Bergen
Europeisk, Italiensk
Bryggeloftet & Stuene Restaurant
Bryggen 11, Bergen
Europeisk, Skandinavisk, Sjømat
Matcha Thai-Sushi Restaurant&Take Away
Åpent
Nygårdsgaten 53, Bergen
Colonialen Restaurant
Kong Oscars gate 44, Bergen
Frokost, Brunch, Delikatesse, Diner, Smørbrød, Sjømat, Soul Food
Horn of Africa Restaurant, Nordnes
Strandgaten 212, Bergen
Enhjørningen
Åpent
Bryggen 29, Bergen
Sjømat
San Marino As
Åpent
Nattlands veien 76A, Bergen
Barbecue, Diner, Europeisk, Italiensk, Pizza, Vegetar
China Palace Restaurant Bergen
Åpent
Torgallmenningen 3A, Bergen
Asiatisk, Kinesisk
Pasta Sentral
Åpent
Vestre Torggate 5-7, Bergen
Europeisk, Italiensk, Pizza, Vegetar
Samrabthai Restaurant
Olav Kyrres gate 28, Bergen
Asiatisk, Thai
Red Sun Restaurant & Bar As
Åpent
Kong Oscarsgate 4, Bergen
Asiatisk, Asian Fusion, Kinesisk, Soul Food, Sushi, Thai
Hoteller i nærheten
Eiendomsmeglere i nærheten
Frisører i nærheten

Sjekk også følgende Frisører i nærheten:

KLIPP KLIPP
Slettebakksveien 84 A, Bergen
Frisør
Vice Capo/DeCapo
Åpent
Bergen Storsenter/ Oasen Senter / Sartor Senter/Laguneparken, Bergen
Frisør
DaDa Hårstudio
Åpent
Nygårdsgaten 2a, Bergen
Frisør
Raah Frisør
Åpent
Damsgårdsveien 56, Bergen
Frisør
The Barber Crew
Åpent
Øvre Korskirkealmenningen 6, Bergen
Barbersalong, Frisør
Monarchy Studio
Kong Oscarsgate 9, Bergen
Frisør
Adam og Eva Bergen
Åpent
Christian Michelsensgate 11, Bergen
Frisør
natureSQ
Solheimsviken, Damsgårdsveien 50, Bergen
Frisør
Rødhette og ulven frisør
Steinkjellergaten 6., Bergen
Barbersalong, Frisør
Chik Hårstudio
Åpent
Håkonsgaten 17, Bergen
Frisør
Bjuti Hårstudio
Åpent
Lars Hillesgate 29, Bergen
Frisør
Think Hair Wear - Frisørsalonger
Åpent
Åsane Storsenter-AskøySenter-Xhibition- Strandgaten 2-Veterlidsalmenning-Knarvik Senter-Galleriet, Bergen
Skjønnhetsprodukter, Frisør
Ego Tid
Åpent
Nattlandsveien 76A, Bergen
Frisør
RAMM av Ramsvik
Åpent
Vestre Torvgate 18, Bergen
Barbersalong, Frisør
Estilo Frisør
Stølegaten 15, Bergen
Frisør
Cutters
Åpent
Vetrlidsallmenningen 6, Bergen
Frisør
Cutters
Åpent
Småstrandgaten 3, Bergen
Frisør
Vogue by Cosmo
veiten 2 a, Bergen
Frisør
FRISØR 1 BERGEN
Åpent
Strandgaten 212, Nordnes, Bergen
Frisør, Makeup-artist
TELL Bergen
Åpent
Øvregaten 31, Bergen
Frisør
Cool Cut Frisør
Åpent
Kaigaten 12, Bergen
Barbersalong, Frisør
Stylingspot
Åpent
Nygårdsgaten 41, Bergen
Frisør
Huldra Frisør As
Åpent
øvregaten 4, Bergen
Barbersalong, Frisør
Sandviken Frisør
Åpent
Sandvikstorget 11, Bergen
Frisør
Keratin SPA Studio
Åpent
Nattlandsveien 76A, Bergen
Frisør